Fana: At a Speed of Life!

ሃማስ እስራኤላውያን ተዓገትትቲ ምስዳድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃማስ እስራኤላውያን ተዓገትትቲ ምስዳድ ጀሚሩ።

እቶም ተዓገትቲ ዝተሰደዱ እስራኤልን ሃማስን ቀዳማይ ዙር ትልሚ ሰላም ጋዛ ስምምዕነት ምግባሮም ስዒቡ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ሃማስ ክሳብ ሐዚ ብህይወት ዘለዉን ሎሚ ዝስደዱን 20 እስራኤላዊያን ተዓገትትቲ  ዝርዝር ስም ዕላዊ ገይሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድሕሪ ክልተ ዓመታት ፃንሒት ማዕገትትቲ ናይ መጀመሪያ 7 ተዓገትቲ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣረጋጊፁ።

ዝተረፉ 13 እስራኤላዊያን ተዓገትትቲ ንምርካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ደቡብ ጋዛ ከምዝርከብ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እስራኤል ድማ ልዕሊ 1 ሺሕን 950 ፍልስጤማዊያን እሱራት ንምስዳድ ምድላዋ ከምዝዛዘመት ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝተገበረ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ናብ እስራኤል ቴል ኣቪቭ ምእታዎም ይዝከር።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.