Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ፈኒያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈፂማ ብዝብል ኣሜሪካ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሓት ወታደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ።
ጦር ኣሜሪካ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንዓለም ለኸ ንግዲ ወሳኒ መመሓላለፊ ብምዃኑ ኢራን…
ኣብ ቻይና ፋብሪካ ጫማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ 28 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018፣ (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ደቡብ ምስራቕ ቻይና ኣብ ከተማ ጂንጂያንግ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ጫማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ 28 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
እቲ ሓደጋ ሓዊ ኣብ ህንፃ ሁይትንግ ፉትዌር ዝተፈጥረ ኮይኑ፣ እቲ ሓዊ ኣብ ዝተለዓለሉ እዋን ኣስታት 240 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት…
ቻይና ዝተሳኸዐ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰኔ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባሕሪ ሓይሊ ቻይና ካብ ኒውክሌር ሰርጓጅ መርከብ ናብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ነዊሕ ርሕቀት ዘለዎ ባላስቲክ ሚሳኤል ብዓወት ከምዝፈተነ ኣፍሊጡ።
እቲ ፈተነ ሚሰኤል ቻይናን ሩስያን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኪንግዳኦ ዓመታዊ ሓባራዊ ልምምድ ባሕሪ ሓይሊ ክጅምራ ኣብ…
ሓደጋ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ (AI) ንምክልኻል ብሕጊ ክምራሕ ኣለዎ – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሰብ-ሰራሕ ብልሒ (አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ብፍላይ ኣብ ህፃናት ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምክልኻል፣ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክምራሕ ኣለዎ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ።
ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ እዚ ዝበሉ፤ ብብርኪ መንግስታት ንፈለማ…
ልዕሊ 20 ሚሊየን ሰባት ዝዕደሙሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበር ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሽዱሽተ መዓልቲታት ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልዕሊ 20 ሚሊየን ሰባት ከምኡ እውን ተወከልቲ ልዕሊ 100 ሃገራት ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት…
ኣብ ቬንዙዌላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 235 በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቬንዙዌላ ከተማ ካራካስን ግዝኣት ላ ጓይራን ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ቁፅሪ መወትቲ 235 በፂሑ፡፡
እቲ ሓደጋ ስዒቡ ኣብ ዝፈራረሱ ገዛውቲ ዝርከቡ ሰባት ናይ ምትእልላሽን ስራሕቲ መድሕን ህይወትን ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ተገሊፁ፡፡…
ኣብ ቬንዙዌላ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 164 ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ትማሊ ምሸት ኣብ ቬንዙዌላ ዘጋጠመ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 164 ምብፅሑ ግዝያዊ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዴልሲ ሮድሪጌዝ ኣፍሊጦም።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ኣፈላላይ ዝበፅሐ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ…
ኣሜሪካ ኣብ ባንኪ ተኣጊ ዝፀንሐ 12 ቢሊየን ዶላር ንኢራን ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ብማዕቐብ ምኽንያት ኣብ ባንኪ ተኣጊዱ ዝፀንሐ 12 ቢሊየን ዶላር ፈንድ ንኢራን ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ፡፡
ኢራን ብማዕቐብ ኣሜሪካ ምኅንያት ኣብ ቻይና፣ ኢራቕ፣ ህንዲን ኳታርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ 100 ክሳብ 120 ቢሊየን ዶላር…
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ መድረኽ ዘተ ተሰሪዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ መድረኽ ዘተ ሰላም ተሰሪዙ።
እተን ሃገራት በዓል 14 ነጥብታት ስምምዕ ምግባረን ስዒቡ ንናይ መወዳእታ ስምምዕነት ኣብ ዝርዝር ዛዕባታት ዝግበር ድርድር ሎሚ ከምዝጅመር ተገሊፁ ምንባሩ…
ኣሜሪካን ኢራንን ኲናት ደው ንምባል ተስማዕሚዔን
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካን ኢራንን ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዘኽእለን ስምምዕነት በፂሐን።
ነተን ክልቲአን ሃገራት እትሽምግለን ዘላ ፓኪስታን እቲ ስምምዕ ኣብ ዝመፅእ ዓርቢ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዝፍረም ኣፍሊጣ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ…