ሃይደር ሸረፋ ብሉፅ ኸኾብ ታፃዋታይ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ኮይኑ ተመሪፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውድድር ዓመት 2017 መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተኻይዱ።
ን36 ሰሙናት ኣብ 18 ክለባት ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ፕሪምየር ሊግ ኣብ ስታድዩም ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ናይዚ ዓመት ብሉፃት ተፃወትቲ ብምሽላም እዩ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተካየደ፡፡
በዙይ መሰረት ኢትዮጵያ መድን ሃይደር ሸረፋ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ኸኾብ ተፃዋታይ ተባሂሉ ተመሪፁ።
ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ናይዚ ዓመት ተፃዋታይ ድማ ኢትዮጵያ ቡናው ይታገሱ ታሪኩ ኮይኑ ዝተመረፀ እንትኾን ብሉፅ ሓላዊ መድን ኢትዮጵያ ኣቡበከር ኑራ ተዓዊቱ።
ብእንዳልካቸው ወዳጄ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!