ሃዲያ ሆሳእና ኣብ ልዕሊ ፋሲል ከነማ ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ተስተኻኻሊ ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃዲያ ሆሳእና ንፋሲል ከነማ 1 ን 0 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘተኻየደ ፀወታ ሃዲያ ሆሳእና ዝተዓወተትላ ሸቶ ሱራፌል ተመስገን ኣብ መበል 60 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ።
ዝሓለፉ 3 ፀወታታት ዓወት ስኢና ዝነበረት ጋንታ ሃዲያ ሆሳእና፤ ሎሚ መዓልቲ ብምዕዋታ ነጥባ ናብ 24 ክብ ብምባል ደረጃኣ ኣመሓይሻ።
ፋሲል ከነማ ድማ 33 ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ሊግ 4ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!