Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝተፈፀመለን በደል ፍትሒ ክሓታ ይግባእ-መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝተፈፀመለን በደል ፍትሒ ክሓታ ይግባእ ኢሎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ።

መበል ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ካሪቢያን “ንኣፍሪካዊያንን ዘርኢ ኣፍሪካዊያንን መከሓሓሲ ፈትሒ ንምድላይ ኣህጉር ተሳጋሪ ሕብረት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብታሪክ ንዝተፈፀሙ በደላት ኣፍልጦ ንክወሃብ፣ ትርጉም ዘለዎ ካሕሳ ንክረኽባን ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር ስርዓት ንክህሊን እተን ሃገራት ብሓባር ክቃለሳ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ነዚኦምን ካልኦትን ሓበራዊ ዝኾኑ ዛዕባታት ብምትሕብባር ንምስራሕ እወንታዊ ኣጋጣሚ ከምዝኸወን ተዛሪቦም።

ኣፍሪካዊያን ናይ ካሕሳ ፍትሒ ንምርካብ ዝጀመርዎ ፃዕሪ ዕዉት ዝኸወን ምስ ሃገራት ካሪቢያን ኣሕዋቶም ብምትሕብባር እንትሰርሑ ከመዝኾነ እቲ ሕብረት ይኣምን ኢሎም።

ብኣንዷለም ተስፋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.