ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንጊኒ ቢሳው ስዒራታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም 2026 ናይ ምድብ 9ይ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንጊኒ ቢሳው 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ብሕታዊት ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ራምኬል ጀምስ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ዋልያታት ኣብ መፃረዪ ፀወታ ካብ ዝገበረቶም 9 ፀወታታት ክልተ ግዘ ዓወት፣ ሰለስተ ማዕረ ከምኡ እውን ኣብ ኣርባዕተ ፀወታት ድማ ተሳዒራ፡፡
ካብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2026 ምስንባታ ኣቐሲማ ዘረጋገፀት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምድብ 9 ነጥቢ ብመሓዝ ኣብ 5ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!