ሃገራዊ ለኸ ጉባኤ ሰላም ኣብ ከተማ ሃረር ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ራብዓይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም ኣብ ከተማ ሃረር 28ን 29ን ሓምለ 2017 ዓ.ም ክካየድ እዩ፡፡
ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሎቀ ትጉሃን ቀሺ ታጋይ ታደለ እቲ ጉባኤ ሰላም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ልዕሊ 300 ሰባት ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ እዮም ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉጅለታትን ከምዝሳተፉ ገሊፆም።
እቲ ጉባኤ ኣብታ ሃገር ኣብሓድ ሓደ ከባቢታት ዝርኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክህልዎ እዩ ኢሎም፡፡
ብቅድስት ብርሃኑ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!