ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኩሉ ማሕበረሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ክህልዎ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብንቑሕ ተሳትፎ ሓሳቦም ንክገልፁ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡
ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን እቲ ኮሚሽን ግርማሞገስ ጥበቡ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፥ ከይዲ ተሳትፎ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣድላይ ስለዝኾነ ኩሎም ኣካላት ሓሳቦም ብነፃነት ዘንሸራሽሩሉ ምችው ባይታ ዝፈጥር እዩ፡፡
እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ኣብ 11 ክልላትን ከልተ ምምሕዳራት ከተማን ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቱ ምዕማሙ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ክልል ትግራይን ኢትዮጵያዊያን ዲያስፓራን ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዘካይድ ተዛሪቦም።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ዘተ ምጅማሩ መፅናዕቲ ብምክያድ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ኣጀንዳ ክእከብ እዩ ኢሎም፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዘለዉ ተወለድቲ እቲ ክልል፣ ሰብ ሞያ ሚዲያ፣ ትካላት ሃይማኖትን ነጋዶን ኣቐዲሙ መድረኽ ዘተ ከምዝካየድ ተዛሪቦም።
ደሕሪ እዚ፥ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብ ካልኦት ክልላት ብዝተወሰደ ተሞክሮ ኣብ ክልል ትግራይ እውን ካብ ሕድሕድ ከተማታትን ክላስተራትን ስራሕቲ ምትእእኸብ ኣጀንዳ ክሳለጥ እዩ ኢሎም፡፡
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ነቲ ከይዲ ዘተ ይጠቕሙ እዮም ኢሉ ዝኣመነሎም ተሞክሮታትን ትካላዊ ፍልጠታትን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናማዕበለ ምፅንሑ ሓቢሮም።
ካብ ኩሎም ክፋላት እታ ሃገርን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ግልፂ ኣሳታፋይን ሓቛፋይን ብዝኾነ መገዲ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት፥ በቢ ዓውዱ ተፈልዮም ንቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ድሕሪ ምቕራቦም ናብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ከምዝቐርቡ ኣፍሊጦም፡፡
ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ዜጋታት ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ከይዲ በቢ ብርኩ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ዝገብር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብሚዛን መኮነን