ሃገራዊ ዘተ ንፀገማት ብዘረዳድእ መገዲ ብዘላቕነት ምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ ንፀገማት ብዘረዳድእ መገዲ ብዘላቕነት ምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢለን ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብሌን ገብረመድህን።
“ግደ ጉድኣት ኣካል ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ጉድኣት ኣካል ዘሳተፈ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።
እተን ኮሚሽነር፥ ሃገራዊ ዘተ ኣብ መልላእ ኢትዮጵያያን ገልፂ በዝኾነ መገዲ ብምስታፍ ንፀገማት ብዘረዳድእ መገዲ ብዘላቕነት ምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩን ንዘይምርድዳእ ምኽኒያት ዝኾኑን ዛዕባታት ብምልላይ ዘላቕነት ብዘለዎ መገዲ ተዘራሪብካ ምፍታሕ ይግባእ ክብላ ገሊፀን።
ነዚ ዕውቱነት ኣጀንዳ ኣለና ዝብሉ ኣካላት ኩሎም ብምስታፍ ንዘተ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ጉድኣት ኣካል ብስፍሓት ንክሳተፉ ብምግባር ኣጀንዳታቶም ንክካተቱ ከምዝተገበረ ገሊፀን ግብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!