Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ መረፃ መጅሊስ ፅባሕ ክጅምር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገር ለኸ መረፃ መጅሊስ 2017 ዓ.ም ፅባሕ ክጅምር እዩ ኢሉ ፈፃሚ ቦርድ መረፃ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፡፡

ፈፃሚ ቦርድ መረፃ ኣካቢ ዓብዱልዓዚዝ ኢብራሂም (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ሃገር ለኸ መረፃ መጅሊስ ምዝገባ መረፅትን ካልኦት ቅድመ-መረፃ ስራሕቲ ተዛዚሙ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዕራፍ ምድላዋት መረፃ ከምዝተዛዘመን ናብ መረፃ ምስግጋሩን ኣረዲኦም፡፡

በዚ መሰረት እቲ መረፃ ካብ ፅባሕ 9 ነሓሰ ክሳብ ሰንበት 11 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ከምዝካየድ ገሊፆም፡፡

ፅባሕ መረፃ ዑለማታት ዝካየድ እንትኾን÷ ቀፃሊ 10ን 11ን ነሓሰ 2017 ዓ.ም ድማ ሙሁራን፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታትን ዝውክሉ መረፅቲ ድምፂ ክህብ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ መረፃ ኣሳታፊ፣ ሓቛፊን ፍትሓውን ንምግባር ፃዕሪ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ንመረፃ ልዕሊ 13 ነጥቢ 1 ሚሊየን መረፅቲ ምምዝጋቦም ሓቢሮም፡፡

ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ክውክለኒ እዩ ዝብሎ ወኪል ካርዲ ኣብ ዘውፅም መስጊዳት ብምርካብ ድምፂ ክህብ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ብጀማል ኣሕመድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.