ሃገር ብምርግጋዕ ንቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ግደ ትካላት ሃይማት ልዑል እዩ – ሊቀ ትጉሃን ታጋይ ታደለ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገር ብምርግጋዕ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ኣብ ምትሕልላፍን ግደ ትካላት ሃይማኖት ዓብዪ እዪ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ታጋይ ታደለ፡፡
“ሃይማኖት ንሰላምን ሓድነትን ምክብባርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሃረር 4ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ይሳለጥ ኣሎ።
ሊቀ ትጉሃን ታጋይ ታደለ ኣብቲ እዋን ኣቦታት ሓብሒቦም ዘፅንሕዎ ሃይማኖታዊ ክብርታት ከይሽርሸሩ ትካላት ሃይማኖት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ካብ ምድፋፋእ ተሓባቢርካ ምንባር የድልይ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ÷ ካብ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ንኢትዮጵያ መፍትሒ ዝኾን ሓበራዊ ሓሳብ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡
ሰላም ዝጅምር ብሕድሕድ ዜጋ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከምዝጅምር እውን ኣገንዚቦም፡፡
ብየሻምበል ምሕረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!