ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚኣ ንክተጠናኽር በሪ ከፊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚኣ ንክተጠናኽር በሪ ከፊቱ ኢሉ።
ኣጀንዳ እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ 2030 መልከት ምዕባለ ኣፍሪካ ንክትከውን ምኽኣል ከምዝኾነ ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ዝሓለፈቶ ዓወት ኣብ ግምት ብምእታው ዘጋጠሙ ብድሆታት ዘማእኸለን ናይ ቀፃሊ ኩነታት ጠመተ ዝገበረን መመሓየሺ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣማኻሪት እቲ ሚኒስቴር ፍሬህይወት ኣንዳሞ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልኡ፥ እቲ መመሓየሺ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝም፣ ማዕድንን ኣይሲቲን ይሰርሕ ኣሎ።
ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ፍርያት ክብ ብምስሳን ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ንክትክእል ወሳኒ ግደ ምጭዋቱ ገሊፀን።
ብተወሳኺ ሉእላውነትን ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚን ንክትሕሉ በሪ ከምዝኸፈተ ተዛሪበን።
ብሚኪያስ ኣየለ