ሃገር ዝስራሕ ኣብ ውሽጢ ቅብብል ትውልዲ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ዝስራሕ ኣብ ውሽጢ ቅብብል ትውልዲ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ኡመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓታት ዘቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ፥ ሃገር ብሓደ ትውልዲ ጥራሕ እንተይኮነስ ብቅብብል ትውልዲ ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ትውልዲ ብባዕሉ ሙሉእ ናይባዕሉ ስብእና የብሉን ኢሎም።
ትውልዲታት ብሰለስተ ከምዝኽፈሉ ብምግላፅ፥ ናይ መጀመሪያ ዝሓለፈ (Exit) ብምባል ዝፍለጥ ትውልዲ ዝሓለፈ ተውልዲ ከምዝኾነን ትማሊ ዝተኸልናዮም ፈልሲታት፣ ዘቐመጥናዮም ብሎኬታት፣ ዘንበርናዮም ዓሸራታትን ኣተሓሳስባታትን ዘለውሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካልኣይ ድማ ሐዚ ዘሎ ትውልዲ(Exist) ብምባል ዝፍለጥ ከምዝኾነን ፍርቂ ማንነቱ ካብ መጀመሪያ ትውልዲ ኣተሓሳስባታት ዝተወሰደ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሳልሳይ ድማ ዝመፅእ ትውልዲ(Emerge) ብምባል ከምዝፍለጥ ብምግላፅ፥ ካባና ዝሰማዕናዮን ዝረአናዮን ብምውሳድ ማንነቱ ከምዝቐርፅን እዞም ሰለስተ ትውልዲታት ደም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣተሓሳስባ እውን ዝካፈሉ ኢዮም ኢሎም።
ነዚ ጉዳይ ምኽሓድ ፀገም እናፈጠረ ከምዝርከብን ትማሊ ኣብ ልዕሌና ፅላል ከምዘለዎ እናኣመንና እንትንከይድ ሃገር ንምስራሕ ዘለና ብቕዓት እናሰፍሐ ክኸይድ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት