ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ንምጥቃም ስራሕቲ ኢኖቬሽን ክበረታትዑ ይግባእ – ዳንኤል ቅጣው (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓሚቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ንምጥቃም ስራሕቲ ኢኖቬሽንን ፈጠራን ክበረታትዑ ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ኣፍሪካሊክስ ዳንኤል ቅጣው (ፕ/ር)፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢትዮጵያሊክስ “ንኢኖቬሽን ምቹው ከባቢ ምፍጣር ንስግግር ፍልጠትን ዘላቒ ልምዓን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ዳንኤል ቅጣው (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ግሎባሊክስ ብብርኪ ዓለም ዝርከቡ ምሁራን፣ ተመራመርቲን ፖሊሲ ዘውፅኡን ናይ ምርኻብ ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣልዒሎም፡፡
ዓለም ለኻዊ ስረሰሕቲ ኢኖቬሽን ብመንፅር ኢትዮጵያ ተቐይሮም ዝትግበሩሉ ኩነታት ምምዕርራይ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ልዑል ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ባህሊን ክብሪታትን ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ÷ ሓደሽቲ ስራሕቲ ፈጠራ ምዕባይን መብርትታዕን ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡
ስራሕቲ ኢኖቬሽን ህይወት ንምምሕያሽ ልዑል ግደ ከምዘለዎም፤ ብተፃራሪ ጉድኣት ዘብፅሑ ስራሕቲ ኢኖቬሽን ከምዘለዉ ዝሓበሩ ድማ ፕሬዚዳንት ግሎባሊክስ ኤሪካ ካራሜር ምቡላ (ፕ/ር) ኢዮም።
ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን ዘሎ ምንቅስቓስ ብግቡእ መገዲ ብምምራሕ ምድንፋዕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያሊክስ ኣብ ጉዳይ ዕቤት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምትሕብባር ንምፍጣር ዝዓለመ ፋውንዴሽን ኢዩ።
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!