Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ልዑል ግደ ዝፃወት ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 15 ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ኢትዮ-ቻምበር ሃፍቲ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ኢትዮጵያ ቀነኒሳ ኣለሜ (ዶ/ር)።

መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ዘተ ቢዝነስ ማዕረ ንማዕረ፣ ኣፍልጦን ሽልማትን እቲ ምርኢት ንግዲ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ቀነኒሳ ኣለሜ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ መርሃ ግብሪ ፍርያታትን ኢትዮጵያ ኣገልግሎታትን ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻን መድረኻት ንኽፋለጡ ዘኽእል ኢዩ፡፡

እቲ ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ዝሕግዝ ከምዝኾነን ተወዳዳራይነትን ዓቕሚን ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ንኽመሓየሽ ከምዝሕግዝ ዛሪቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ፣ ፋይናንስ፣ ኣውቶሞቲቭን ዝተፈላለዩ ዘፈራትን ዝተዋፈሩ ትካላት ፍርያትን ኣገልግሎትን ሒዞም ምቕራቦም ተሓቢሩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.