Fana: At a Speed of Life!

ህብረ ብሄራዊነትና ንብሄራዊ ረብሓና ምውዓል ኣለና- ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህብረ ብሄራዊነትና ንብሄራዊ ረብሓና ምውዓል ኣለና ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር።

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን፥ “ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕ ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ክኽበር ኢዩ።

እቲ ዕለት ምኽኒያት ብምግባር ዝተዳለወ ሲምፖዚየም “መዓልቲ ዘተ ኢትዮጵያዊያን” ኣብ ከተማ ሆሳኢና ሎሚ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ናይ ብዝሃ ማንነት፣ ባህሊን ክብሪን በዓልቲ ዋና ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ህዝብታት ተረባሕነቶም ንክረጋገፅ ሰሪሓ ኢያ ኢሎም።

ክልላት መሰል ዓውሰ ምሕደረአን ምውናነን ብምግላፅ፥ ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ኣሰናዳኢ ዝኾነ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ናይዚ መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ብራኸ እዋን በምዃን ዝኽበር በዓል ምዃኑ ብምግላፅ፥ ህብረ ብሄራዊነትና ንብሄራዊ ረብሓና ምውዓል ኣለና ክብሉ ሓቢሮም።

ብሰለሞን በየነ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.