Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት መንበሪ ሰፈር ሓረስቶት እንትዛዘም ሜላ ኣነባብራ ሓረስቶት ክቕይሩ ኢዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህንፀት መንበሪ ሰፈር ሓረስቶት እንትዛዘም ሜላ ኣነባብራ ሓረስቶት ክቕይሩን ጥዕናዊ ህይወት ዘላብሱን ኢዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል ራብዓይን ኣካል ወለንታዊ ክረምታዊ ስራሕቲን ዝኾነ ስራሕቲ ኮሪደር ልምዓት ገፀር ኣብ ከልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ስልጤ ወረዳ ሁልባረግ ቀበሌ ሻማ ሀንፀት መንበሪ ሞዴል ሓረስቶት ኣጀሚሮም።

እቶም መንበሪ ኣባይቲ ተሃኒፆም አንትዛዘሙ ሜላ ኣነባብራ ሓረስቶት ክቕይሩ ኢዮም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ዘሎ ተሳትፎ ምርኣዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ከም መርኣዪ ኣቶት ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ተዘዋዊርና ርኢና ብምባል፥ ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ብሌማት ትሩፋት ውፅኢት ንምምዝጋብ ዝተጀመረ ተግባር ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ እወንታዊ ጅማሮ ብምዃኖም ክተባብዑ ይግባእ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.