Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፕሮጀክት ሶርጋ ኢኮ ሎጅ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ህንፀት ፕሮጀክት ሶርጋ ኢኮ ሎጅ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዛዘም እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ቃላይ ሶርጋ እናተሃነፀ ዝርከብ ሶርጋ ኢኮ ሎጅ ዑደት ምግባሮም ገሊፆም።
ኣብ ቃላይ ሶርጋ ዝርከብ ሶርጋ ኢኮ ሎጅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 14 ሄክታር መሬት ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።
እቲ ፕሮጀክት ስራሕ ብቕልጡፍ እናተካየደ እትኾን፤ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበርን ሓቢሮም፡፡
ካብ ከተማ ነቀምቴ 6 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ሶርጋ ኢኮ ሎጅ ነቲ ከባቢ ንምሕላውን ኣብ ኮንስትራክሽንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተገይሩ ዝተቀረፀ ምዃኑ ሓቢሮም
እቲ ፕሮጀክት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝጠቅምን ኣብ ክልልና ዘላቒ ቱሪዝም ዘስፋሕፍሕን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.