Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት ካብ ትንባኾ ናፃ ናይ ምግባር ፃዕሪን ውፅኢቱን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት ካብ ትንባኾ ናፃ ንምግባር ብዝተገበረ ፃዕሪ እወንታዊ ውፅኢቱ ከመዝመፅአ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቁፅሪ ኣዋጅ 1112/11 ምምሕዳርን ምግብን መድሓኒትን ተቓላዓይነት ትንባኾ ዘይጥቀሙ ወገናት ምቕናስ ከምዘኽኣለ ሓላፊ ዴስክ ቁፅፅር ትንባኾ እቲ በዓል መዚ ቶሎሳ ገመዳ ተዛሪቦም።

ቅድም ክብል ትንባኾ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ቦታ ብዘይክልከላ ይተክኽ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ ነዚ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ዘተበብዕ ውፅኢት ምምፅኡ እቶም ሓላፊ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ኣብ ዘይተፈቐቡ ዝተወሰኑ ቦታት ትንባኾ ምትካኽ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይተቐረፈ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.