Fana: At a Speed of Life!

ህዝባዊ ወገናዊነት ዘለዎን ልኡኽቶ ብብቕዓት ዝዋፃእ ሓይሊ ፖሊስ ተሃኒፁ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሪፎርም ዘፈር ፀፅታ ብሕጊ ጥራሕ ዝሰርሕ፣ ህዝባዊ ወገናዊነት ዘለዎን ልኡኽቶ ብብቕዓት ዝዋፃእ ሓይሊ ፖሊስ ተሃኒፁ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

መበል 20 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ “ፖሊሳዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ረብሓ ሃገርን ድሌት ህዝቢን ዘኽበረ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ ንምህናፅ ዘኽእል ሪፎርም ዘፈር ፖሊስ ተወጊኑ፡፡

ሀገራዊ ለውጢ ስዒቡ ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ሪፎርምታት ሓደ ዘፈር ፖሊስ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ሪፎርም ብቑዕ በዓል ሞያ ፖሊስ ንምፍራይን ጥንኩር ፖሊሳዊ ትካልን ንምፍጣር ዘኽእሉ ተግባራት ተወጊኖም ኢሎም፡፡

ናይ ምድማር መንግስቲ ኣገልግሎት ፖሊስ ተኣማኒን ዘእምንን ክኸውን ከምዘለዎ የኣምን ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣባላት ፖሊስ ንሕገ መንግስቲ፣ ንህዝቢን ንህሊናኦምን ተኣመንቲ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.