ህዝብና ፈታዊ ሰላምን ደላዪ ልምዓትን ምዃኑ ብተግባር ኣርእዩ- ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝብና ትማሊ ይኹን ሎሚ ፈታዊ ሰላምን ደላዪ ልምዓትን ምዃኑ ብተግባር ኣርእዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ።
ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ሰልፊ ደገፍ ጠሚቶም እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ንሃገርናን ህዝብናን ልዑል ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።
ተወሳኺ ዓቕሚ ህዳሰ ብምጥቃም ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ከምዝሰርሑ እውን ተዛሪቦም።
ግድብ ህዳሰ ብዙሓት ዲፕሎማሲያዊ ብድሆታት ብምስጋር ብናይ ባዕልትና ሃፍቲ፣ ጉልበትን ፍልጠትን ናይ ዘበናት ፅኑዕ ባህግናን ናይ ዓመታት ፃዕሪናን ናብ ውፅኢት ለዊጥና ዘረጋገፅናሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይዚ ዘበን ትውልዲ ናይ ልምዓት ሃርበኝነት ዝተረጋገፀሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!