ለውጢ ሃገርና ዝምራሕ ብናይ ባዕልና ፅናዓት፣ ፈጠራን ናይ ስራሕ ትግሃትን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
አዲስ አበባ፣ ጥቅምት 19፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓቀኛ ለውጢ ሃገርና ዝምራሕ ብናይ ባዕልና ፅናዓት፣ ፈጠራን ናይ ስራሕ ትግሃትን ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ብክረምታዊ ስራሕቲ ፍርያት ስርናይ ዝተረኸበ ውፅኢትን ኣተኣኻኽባ ምህርቲን ብምምልካት ንምግምጋምን ስራሕቲ ምጅማር ስርናይ ሓጋይን ዘድሀበ ዑደት ገይሮም፡፡
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስራሕቲ ክላስተር ሙዝ፣ ፓፓያን ዓሳን ከምዝተዓዘቡ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።
ነባር ባህላዊ ሜላ ሕርሻ ሕዚ እውን ዘሎ ይኹን እምበር ብሰፊሑ ንምሕራስ ዘኽእል ሜካናይዜሽን እናዓበየ ብምኻዱ እቲ ከባቢ ብቕዓት ሕርሻን መፍረያይነትን እናዕበየ ይርከብ ኢሎም።
ንድሕሪት ምልስ ኢልና ዝነበረ ኣሰራርሓ እንትንግምግም ከምዚ ዝበሉ ዘበናዊ ሜላታት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታትከም ሃገር ጀሚርና እንተንኸውን ነይርና መፍረያይነት ሕርሻ ብልዑል ብርኪ ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል ከምዝነበረ ንርዳእ” ክብሉ ገሊፆም።
ሎሚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ዝኸይድ መፍረያይነት እናተመልከትና ንርከብ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ንምዕባይ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሓገዝ ኣይመፅእን፤ ሓቀኛ ናይ ሃገርና ለውጢ ዝምሕ ናይ ባዕልና ፅናዓት፣ ፈጠራን ናይ ስራሕ ትግሃትን ኢዩ ኢሎም።