ለውጢ ግብርና ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ተሓጋዝነት ከምእትወፅእ ዘርእይ ኢዩ- ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝመፅአ ለውጢ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ተሓጋዝነት ከምእትወፅእ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ መብራቕ ሸዋ ኣተኣኻኽባ ፍሪያት ስርናይ ብምርኣይ ልምዓት ስርናይ መስኖ መጀመሪ መርሃ ገብሪ ኣካይዶም።
እቲ ዑደት ጠሚቶም ረእይተኦም ዝሃቡ ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፥ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ስርናይ፣ ባናናን ፓፓየን ተስፋ ዝህብ ኢዩ ኢሎም።
ብሴፍቲኔት ተሓቚፉ እነትሕገዝ ዝነበረ ከባቢታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝገርም ልምዓት ግብርና ይካየደሉ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ጎኒ ንጎድኒ ድማ መሬት ንልምዓት መስኖ ሓጋይ ስርናይ ናይ ምድላው ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
እቲ ልምዓት ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ሓይሊ ሰበን ተፈጥሮኣዊ ፀጋን ሒዛ ምልማን ኣይግበኣን ንዝበልዎ ብተግባር ዘርኣየ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!