ሊቨርፑልን ቼልሲን ዓወት ቀኒዑወን
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ቼልሲን ንተጋጠምተን ብምስዓር ዓወት ቀኒዑወን፡፡
ኣብ ኣንፊልድ ንብራይተን ዘተኣናገደት ጋንታ ሊቨርፑል 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡
ሊቨርፑል ዝተዓወተትለን ክልተ ሸቶታት ኢኪቲኬ ኣመዝጊቡወን፡፡
ናይ መወዳእታ ፀወትኡ ክኸውን ከምዝኽእል እናተነገረሉ ዝርከብ ግብፃዊ ኮኸብ ሞ ሳላህ፤ ተቐይሩ ብምእታው ሓንቲ ንሸቶ ትኸውን ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቼልሲን ኤቨርተንን፤ ብዓወት ጋንታ ቼልሲ 2 ን 0 ተዛዚሙ፡፡
ቼልሲ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ድማ ድሕሪ ነዊሕ ጉድኣት ናብ ሜዳ ዝተመለሰ ኮል ፓልመርን ማሎ ጉስቶን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!