Fana: At a Speed of Life!

ሊቨርፑልን ቼልሲን ዓወት ቀኒዑወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ቼልሲን ንተጋጠምተን ብምስዓር ዓወት ቀኒዑወን፡፡

ኣብ ኣንፊልድ ንብራይተን ዘተኣናገደት ጋንታ ሊቨርፑል 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡

ሊቨርፑል ዝተዓወተትለን ክልተ ሸቶታት ኢኪቲኬ ኣመዝጊቡወን፡፡

ናይ መወዳእታ ፀወትኡ ክኸውን ከምዝኽእል እናተነገረሉ ዝርከብ ግብፃዊ ኮኸብ ሞ ሳላህ፤ ተቐይሩ ብምእታው ሓንቲ ንሸቶ ትኸውን ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቼልሲን ኤቨርተንን፤ ብዓወት ጋንታ ቼልሲ 2 ን 0 ተዛዚሙ፡፡

ቼልሲ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ድማ ድሕሪ ነዊሕ ጉድኣት ናብ ሜዳ ዝተመለሰ ኮል ፓልመርን ማሎ ጉስቶን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.