Fana: At a Speed of Life!

ሊቨርፑል ሁጎ ኤኪቲኬን ንምፍራም ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሊቨርፑል ተፃታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ኢንትራክት ፍራንክፈርት ዝኾነ ሁጎ ኤኪቲኬ ንምፍራም ኣብ ስምምዕነት በፂሓ፡፡

ሊቨርፑል ንወዲ 23 ዓመት ተፃዋታይ ንምዕዳግ 79 ሚሊየን ፓውንድ ትኸፍል እንትትከውን÷ እቲ 69 ሚሊየን ፓውንድ ኣቐዲማ ትኸፍሎ ከምኡ እውን 10 ሚሊየን ፓውንድ ኣብ ከይዲ ክትከፍል ኢያ፡፡

ኤኪቲኬ ኣብ ጋንታ ኣንፊልድ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝፀንሕ ውዕሊ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ከምዝፍርም ትፅቢት ይግበር፡፡

ፈረንሳዊ ኣጥቃዒ ኢኪቲኬ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር ንጋንትኡ 31 ፀወታታት ተሰሊፉ 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡፡

ኤኪቲኬ ኣብዚ ክረምቲ 4ይ ፈራሚ ጋንታ ሊቨርፑል እንትኸውን፥ ቅድሚ ሕዚ ፍሎሪያን ቪርትስ፣ ሚሎሽ ኪርኬዝን ጄሬሜ ፍሪምፖንግን ከምዝፈረሙ ብምዝኽኻር ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ብኣቤል ንዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.