ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ህፁፅ ሓፈሻዊ ጉባኤ የሳልጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 3ይ ዓመት 3ይ ህፁፅ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፈፃሚ ስራሕ ኣባላት ጉባኤ ዝብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም።
ቅድሚ 3 ዓመት ዝወሰድናዮ ሓላፍነት ብዝግባእ መንገዲ ንዋፃእ ኣለና ዝበሉ እንትኾን፤ ብዙሓት ማሕበረሰብ ሙስሊም ሕቶታት ምላሽ ምርካቦም ኣረዲኦም፡፡
ብሓፈሻ እቲ ጉባኤ ኣብ ማሕበረሰብ ሙስሊም መራሒኡ ዝመርፅሉ ከይዲ መረፃ ብምግምጋም ንዝቕፅል ዘበን ስራሕ ብዝምልከት ውሳነ ክመሓላለፍ ትፅቢት ይግበር።
ብሰዓዳ ጌታቸው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!