ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ባህር ዳር ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ማኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።
ኣብቲ እዋን ዑደት ኣማኻሪ ዘፈር ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፣ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተሳቲፎም።
ኣብ ባህርዳር እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ÷ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝተሃነፀ ድልድልን ኣብ ከባቢ ቃላይ ጣና እናተሰርሐ ዝርከብ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደርን ተመልኪቶም።
ኣብ ከተማ ባህር ዳር ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብምስራሕ ቃላይ ጣና ምስታ ከተማ ናይ ምትእስሳር ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ይፍለጥ።
በዚ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ውሱን ቦታታት ጥራሕ ዝነበሮም ምትእስሳር ብምስፋሕ ብሓሙሽተ ኣንፈታት እቲ ቃላይ ብዝተሰርሐ ልምዓት እቲ ቃላይ ነታ ከተማ ዘለዎ ኣበርክቶ ንምስፋሕ እናተሰርሐ ይርከብ።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!