ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ምዕባለ ዘይትካእ እጃም ኣለዎም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ምድማር መንግስቲ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ምዕባለ ግደ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ብምእማን ንተግባራውነቱ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 75 ዓመት ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ “ግደ ምሁራን ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ መድረኽ ምሁራን ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳይ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዎም ግደ ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይድና ኢሎም፡፡
ሓሳብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ፥ ምሁራን ድማ ወኪላት ለውጢ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምሁራን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝፈጥሩዎ ለውጢ ሃገር ናብ ምዕባለ ከምዝወስድ ኣመልኪቶም፡፡
ምሁራን ሓሳብ ዘኽብሩን፣ ብዕምቆት ዘስተንትኑ፣ ኣንበብቲ፣ ፀገም ፈታሕቲን መፍትሒታት ዝእልሹ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ናይ ምድማር መንግስቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ምዕባለ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎም ብፅኑዕ ከምዝኣምን ብምግላፅ፥ ንተግባራውነቱ እውን እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡