ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ፡፡
መድረኽ ዘተ መዛዘሚ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት በጀት ዓመት 2017ን ዘተ ትልሚ 2018 ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፈንታ ደጀን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ንፕሮግራም ሴፍቲኔት ካብ 2017 በጀት ዓመት ኣትሒዙ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ተግባራዊ ዝኸውን 45 ቢሊየን ብር ተመዲቡ።
እዚ ድማ ተወሳኺ 699 ሺሕን 112 ዜጋታት ተረባሕቲ መርሃ ግብሪ ሴፍቲኔት ክኾኑ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ብፕሮጀክት ሴፍቲኔት ብርኪ ናብራ ብዙሓት ዜጋታት ብምምሕያሽ ካብ ተረዳኣይነት ናብ መፍረያይነት ከሰጋግር ዝኽእል ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣመልኪቶም።
ብቤዛዊት ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!