ልምዓት ኮሪደርን ገምገም ሩባን ኣዲስ ኣበባ ምብራኽ ዘመን ዘብስሩ እዮም – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት ኮሪደርን ገምገም ሩባን ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪክ ዝኸፈቱ፣ ደረጅኡ ዝሓለወ ወጋሕታን ምብራኽ ሓዱሽ ዘመን ዘብስሩ እዮም ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ደረጅኦም ዝሓለው ከተማታት ስልጣነ ሃገራት፣ ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ሚዛን፣ ኣድማስ ሓሳብ ህዝብታትን ሓፈሻዊ ልምዓታዊ ንጥፈታትን ዝንበበሎም ገፃት እዮም ኢሎም፡፡
ኣዲስ ኣበባ ብደቃ ትምዕብልን ትደምቕን፣ ብትግሃት ነበርታ እናፀበቐትን እናማዕበለትን ብተግባር ድማ ስማ ትኸውን ዘላ ከተማ እያ ኢሎም።
ሃገርናን መዲና ኣፍሪካን ንፅባቀ ጥራሕ ዘይኾነስ ንስሉጥ ግልጋሎት፤ መዘናግዒ ጥራይ ዘይኮነስ ምቹው መነባብሮ፤ ካብዚ ሓሊፉ ብሓፈሻ ሃገርና ፈጣን ልምዓት ዝረኣየሉ ዕብየትና መርኣያ እያ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!