ልምዓት ኮሪደር ሓደጋ ስግኣት ኣብ ምንካይ ልዑል ግደ እናበርከተ ምዃኑ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት ኮሪደር ሓደጋ ስግኣት ኣብ ምንካይ ልዑል ግደ እናበርከተ ምዃኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ሓዊን ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ኣሕመድ መሓመድ ገሊፆም።
ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ዝተሓላለኹ ገመዳት ኤሌክትሪክ ሓደጋታት እንትበፅሑ ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።
ሕዚ ምስ እቲ ልምዓት ኮሪደር ተተሓሒዙ ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓት ÷ ገመዳት ኤሌክትሪክ ኣብ ትሕቲ መሬት ክቕበሩን መጥፋእቲ ሓዊ ማይን ኣብ ፍርቂ ኪሎ ሜትር ኣፋላላይ ምስርሑ ሓቢሮም፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር) ከምዝበልዎ፤ እቶም ዝካየዱ ዘለዉ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ሓደጋ ምንካይን ምጥያሽ ዓቕሞም ልዑል እዩ፡
ብመቅደስ የኔሁን