Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ኮሪደር ምስሊ ከተማታት ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ርኡይ ኢኮኖሚዊ ረብሓ ኣለዎ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ዝበኑ ዝጠልቦን ደረጃ ፅሬቱ ዝሓለዉን ኢዮም ክብሉ ብመዓር ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልግና ብምዃን ኣብ ከባቢ ሳር ቤት-ጀርመን ኣደባባይ-ጋርመንትን ፉሪን ኣብ ዝተሰርሐ ልምዓት ኮሪደ ተዓዚቦም።

ኣይተ ኣደም ፋራሕ እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ልምዓት ኮሪደር ከባቢ ሳር ቤት-ጀርመን ኣደባባይ-ጋርመንትን ፉሪን ክሳብ ሕዚ ኣብታ ከተማ ዝተወገኑ ብስፍሓት ዝበለፀ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ሕድሕድ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ትምህርቲ ብምውሳድ ዝሐሸ ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምስሊ ኢትዮጵያ ዝለወጡ ኢዮም ኢሎም።

እቶም ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካን ዓለምን ትምህርቲ ዝሃቡ ከምዝኾኑ ኢዮም ገሊፆም፡፡

ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ተቐቢሉ ብቖራፅነት ምትግባሩ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝመፅአ ኣልዒሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.