ልምዓት ኮሪደር ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘየተርፍ ምዃኑ ካብ ነረጋግፀሎም ስራሕቲ ሓደ ኢዩ ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ልምዓት ኮሪደር ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘየተርፍ ምዃኑ ካብ ነረጋግፀሎም ስራሕቲ ሓደ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣባላት ቤት ምኽር ፓርቲ ብልፅግና ካብ እንጦጦ ክሳብ 4 ኪሎ ፕላዛ ዝተሰርሐ ናይ 5 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተዓዚቦም፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝበሉዎ÷ ልምዓት ኮሪደር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ካልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት መለክዒ ብርኪ ኣመራርሓ ልምዓት ከተማ እናኾነ ዝርከብ ስራሕ ኢዩ።
እቲ ልምዓት ኮሪደር መምርሒ ፍቕልጣፍን ምፍጣርን ፓርቲና ብተግባር እናተረጋገፀሉ ዝርከብ ስራሕ ኢዩ ብምባል ዝገለፁ ኣይተ ኣደም፤ እቲ ስራሕ ንኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ብዓብይኡ ተሓሲቡ ብፅሬት፣ ብእዋኑ፣ ንህዝቢ ብዝለዓለ ደረጃ ተረባሒ ብዝገብር መልክዑ ምዝዛም ዝብል ሓሳብ ብትኽክል ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ንኢኮኖሚ ሃገር ከበርክቱዎ ዝግበኦም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ኣብ ምግባር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ ስራሕ ናይ ኣመራርሓና ቆራፅነት ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢሎም።
ሰብ ሞያ ብምትሕብባር እንድሕር ሰሪሖምን ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ክሳተፍ እንተኽኢሉን ኣብ ሓፂር እዋን ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ከምዝተርኣየ ገሊፆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!