ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ናይጀርያ ኣምሪሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ን 18ን ዓመትን ኣትሌቲክስ ሻምፒዮን ንምስታፍ ናብ ናይጄርያ ኣቡኩታ ኣቅንዑ።
ካብ 16 ክሳብ 20 ሓምለ 2025 ኣብ ናይጀርያ ኣቡኩታ ኣብ ዝካየድ ሃገራት ኣፍሪካ ትሕቲ 20ን 18 ዓመትን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮን ዝሳተፍ ልኡኽ ናብ ናይጀርያ ከተማ ኣቡኩታ ኣምሪሑ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጱያ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቦሌ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ስነ ስርዓት ምፍናው ተካይዱሎም።
ብተወሳኺ ድማ ሎሚ ለይቲ ካልኣይ ዙር ልኡኽ ኣትሌቲክስ መናእሰይ ናብ ናይጀርያ ከምዝብገስ ተገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!