ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፤ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ዓውዲ ስፖርት ኣቀባብላ ገይሮምሉ፡፡
11 መስከረም 2018 ዓ.ም ፍፃምኡ ኣብ ዝረኸበ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፤ ኢትዮጵያ ክልተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምሩ ኣርባዕተ ሜዳሊያታት ብምርካብ ውድድራ ዛዚማ።
ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ውድድር ማራቶንን ኣትሌት ዮሚፍ ቀጄልቻ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ሜዳሊያ ብሩር ምርካቦም ይዝከር፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ሲምቦ ኣለማየሁ ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ነሓስ ንሃገረን ኣምፂአን፡፡
ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝረኸበቶም በዝሒ ሜዳሊያ ካብ ተሳተፍቲ ሃገራት መበል 21 ደረጃ ብመሓዝ ኣብቲ ሻምፒዮና ዝነበራ ተሳትፎ ዛዚማ፡፡
እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ድሕሪ 34 ዓመታት ብዘይ ሜዳሊያ ወርቂ ዝተመለሰትሉ ሻምፒዮና ኮይኑ፡፡
ብወርቅነህ ጋሻሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!