ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝሳተፍ ቀዳማይ ተጓዓዚ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ቶኪዮ በፂሑ፡፡
እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ናሬታ እንትበፅሕ ብኤምባ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ብስጉምቲ ከምኡ እውን ካብ 800 ሜትሮ ክሳብ ማራቶን ኣብ ዘለዉ ርሕቐታት ብክልቲኡ ፆታ ክትሳተፍ ኢያ።
መበል 20 ሻምፒዮና ውድድር ኣትሌቲክስ ዓለም 3 መስከረም 2018 ዓ.ም ምክያድ ክጅምር ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!