Fana: At a Speed of Life!

ልዑል ሃንቀውታ ዝግበረሉ ፀወታ ፍፃመ ኢንተር ሚላን ምስ ፒኤስጂ ኣብ ሙኒክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ኣብ ጀርመን ሙኒክ ስታዲየም ኣሊያዝ ኣሬና ጣልያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ምሸት ሰዓት 4 ክራኸባ ኢየን፡፡

ኣብ ጀርመን ከተማ ሙኒክ ስታዲየም ኣሊያንዝ አሬና ዝካየድ ፀወታ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሮማኒያዊ ዳኛ ኢስትቫን ኮቫክስ ብዋና ዳይነት ክመርሑዎ ኢዮም፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ኩሎም ውድድራት ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሓሙሽ ፀወታታት ፒኤስጂ ሰለስተ ግዘ እንትትስዕር ኢንተር ሚላን ክልተ ግዘ ተዓዊታ፡፡

ብወገን ፒኤስጂ ኣብዚ ውድድር ዓመት ዘደንቕ ብቕዓት እናርአዩ ነታ ጋንታ ናብ ፍፃመ ከብቅዑዋ ዝኸኣሉ ሓላዊ ልዳት ዶናሩማ ሓዊሱ ኑኖ ሜንዴዝ፣ ቪቲኒሃ፣ ኦስማን ዴምቤሌ፣ ኪቪቻ ክቫረትስኬሊያ፣ ጆኣ ኔቬስን ዱዌን ልዑል ትፅቢት ይግበረሎም።

ብወገን ኢንተርሚላን ካብ ሓላዊ ልዳት ያን ሶመር ጀሚሩ ክሳብ ኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዓይ ላውታሮ ማርቲኔዝ ዘለዎም ጥምረት ትፅቢት ዝግበረሎም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.