Fana: At a Speed of Life!

ልዑል ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናልን ሊቨርፑል ዘካይደኦ ፀወታ ልዑል ሃንቀውታ ፈጢሩ ይርከብ።

ነቲ ሊግ ብ48 ነጥቢ እናመርሑ ዝርከቡ መድፈዐኛታት ሎሚ ምሸት ሰዓት 5:00 ኣብ ሜዳኦም ኤምሬትስ ንሊቨርፑል ዘተኣናግዱሉ ፀወታ ብቤተሰብ ስፖርት ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ።

ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ሊግ ዝተዓወተት ጋንታ ኣርሰናል፤ ዓወታ ንኸቕፅን ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ካብ ዝኸተላኣ ጋንታታት ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምስፋሕ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።

ዝሓለፉ ክልተ ናይ ሊግ ፀወታትት ብማዕረ ውፅኢት ዝዛዘመት ሊቨርፑል ናብ ዓወት ንምምላስ ብርቱዕ ንሕንሕር ትፅቢት ይግበረላ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.