Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ተጉዓዒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ተጉዓዒዙ ኢሉ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ፡፡
ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ በጀት ፍርቂ ዓመት 2018 ኣፈፃፅማ ስራሕ ገምጋም ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣብዱልበር ሸምሱ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤እቲ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ብምግምጋም ጥንኹር ጎኑ ንምቕፃልን ፀገማት ንምምሕያሽን ዝዓለመ እዩ፡፡
ኣብ ፍርቂ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ብምምዝጋብ ካብቲ ዝሓሰቦ ሸቶ እቶት 113 ሚኢታዊ ምዕዋቱ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምጉዕዓዙ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡
ብቅድስት ኣባተ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.