Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ሚሊየን ተረባሕቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ናብ ዘላቒ ምምሕያሽ ናብራ ተሰጋጊሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብ450 ሚሊየን ዶላር እናተተግበረ ዝርከብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ከተማታት ሴፍቲኔት ልዕሊ 1 ሚሊየን ተረባሕቲ ናብ ዘላቒ ምምሕያሽ ናብራ ተሰጋጊሮም።

ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ካብ ድኽነት ናብ ኣፍራይነት ናይ ምስግጋር ስራሕ ውፅኢታዊ ይኾን ኣሎ ኢሎም፡፡

ፕሮግራም ሴፍቲኔት ልምዓት ከተማታት ኣብ 88 ከተማታት ተግባራዊ እናተገበረ ምዃኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ውሕስና ምግቢ ከተማ ኣብቲ ሚኒስቴር ኣይተ ብርሃኑ ተሾመ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።

እዚ ፕሮግራም ኣብ 2009 ዓ.ም ካብ ዝጅምር ንደሓር ንልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ተረባሕቲ ኣብ ምግባር ልዕሊ 1 ሚሊየን ዝኾኑ ናብ ዘላቒ ምምሕያሽ ናብራ ክሰጋገሩ ኣኽኢሉ።

እቶም ሓላፊ፤ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 690 ሺሕ ዜጋታት በቲ ፕሮግራም ተረባሕቲ ኮይኖም።

ካብዚኦም ልዕሊ 500 ሺሕ ተረባሕቲ ካብ ተፀባይነት ወፂኦም ናብ ዓርሰ ምኽኣል ተሰጋጊሮም።

በቲ ፕሮግራም ሰሪሕካ ንምልዋጥን ቁጠባ ባህሊ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ምስራሕ ትኹረት ተዋሂብዎ ኢሎም፡፡

ተረባሕቲ እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 600 ሚሊየን ብር ምዕቋር ምኽኣሎም ኣይተ ብርሃኑ ገሊፆም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.