Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ‘ዚ ባጀት ዓመት  ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ግብርና ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2017 ዓ.ም የሳልጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)፥ ኣብዚ ባጀት ዓመት 30 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ብምሽፋን ልዕል 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምእካብ ከምዝተተለመ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፊ ትሽዓተ ኣዋርሕ 31 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ምሽፋን ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ምእካቡ ተዛሪቦም።

1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ቶን ቡን ምፍራዩ ብምግላፅ፥ 300 ሺሕ ኩንታል ቡን ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ሓቢሮም።

ብይስማው ኣደራው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.