Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 100 ማእኸላት መወሸቢን መሐኪሚን ኤምፖክስ ተዳልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ልዕሊ 100 ማእኸላት መወሸቢን መሐከሚን ኤምፖክስ ኣዳልየ ኢሉ፡፡

መተሓባበሪ ዳህሳስ ኤምፖክስ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ሚኪያስ ኣላዩ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኩሎም ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን እቲ ሕማም ንምቁፅፃር ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሰሪሑ፡፡

መወሸቢን መሐከሚን ማእኸላት ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ብምዃኑ እቲ ሕማም ብቐሊሉ ንምቁፅፃር የኽእል ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ጉጅለ ብምጥያሽ ሕማም ኤምፖክስ ከይስፋሕፋሕ ሰፊሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሓበሬታ ንምሃብ ብ8335ን 952ን ናፃ መስመር ስልኪ ምጥቃም ከምዝክኣል ኣይተ ሚኪያስ ኣላዩ ኣዲኦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ኤምፖክስ ምርካቡ ካብ ዝተገለፀ ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ 24 ሰባት ምትሓዞም ብላቦራቶሪ ዝተገበረ ምርመራ ተረጋጊፁ፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.