Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 27 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ዝተፈተኑ ልዕሊ 27 ሺሕን 773 ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር እቶም 99 ሚኢታዊት ዝኾኑ ፈሺሎም ኢሉ ምምሕዳር  ኢንፎርሜሽንን መረብ ድሕንነትን(ኢመደኣ) ።

እቲ ትካል ገምጋም ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ 2018 ዓ.ም ኣካይዱ።

ዋና ዳይሬክተር  ምምሕዳር  ኢንፎርሜሽንን መረብ ድሕንነትን(ኢመደኣ) ትዕግስት ሃሚድ÷ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተለዋወጡ ዝመፅኡ ባህሪታት መጥቃዕቲታት ሳይበር ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ምክልኻል ዓቕሚና እናዘመነ ይርከብ ኢለን።

ስግኣታት ድሕንነት ሳይበር ቀዲምካ ንምፍላይን ምላሽ ንምሃብን መሰረተ ልምዓታት ቴክኖሎጂ ንምምዕባል ቆላሕታ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።

ንስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 መሰረት ዝኾኑ ተግባራት ምክያዶም ገሊፀን።

ትካላት መንግስቲ ስሉጥ ኣገልግሎት ንክህባ ኣሰራርሕአን ዲጂታላይዝ ዝገብሩ ቴክኖሎጂታት ንክጥቀማ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪበን።

ንኣብነት ሚኒስቴር እቶት ናይ ኢ-ኢንቮይስ፣ እቶት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰውነት ዝቕመጥ ካሜራ ከምኡ’ውን ፖሊስ ፌዴራል ዝተዋደደ ምምሕዳር ሃፍቲ ሰብን ሰነድን ሲስተማት ብምልማዕ ኣገልግሎቶም ንክዝምን ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.