Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 3 ሺሕ ንዝኾና ተሽከርከርቲ ልዕሊ 850 ሚሊየን ብር ድጎማ ነዳዲ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ን3 ሺሕን 351 ንዝኾና ተሽከርከርቲ ልዕሊ 850 ሚሊየን ብር ድጎማ ነዳዲ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ትራንስፖርትና ሎጂስቲክስ ገሊፁ፡፡

ተጠቀምቲ ድጎማ ነዳዲ ዝኾና ተሽከርከርቲ፤ 1 ሺሕን 153 ሃገር ኣቋረፅቲ ኣውቶቡሳት፣ 1 ሺሕን 716 ናይ ከተማ ኣውቶቡሳትን 482 ናይ ብሊክ ሰርቪስ ኣውቶቡሳትን ከምዝኾና ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ዲጂታል ዕድጊት ነዳዲ ከምዝተኻየደ እቲ ሚኒስቴር ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፁ፡፡

ከም ገለፃ እቲ ሚኒስቴር፤ ካብ ሓምለ 2014 ዓ.ም ንደሓር ልዕሊ 136 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ብዲጂታል ዕድጊት ነዳዲ ተወጊኑ፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.