Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 33 ሺሕ ከፈልቲ ግብሪ ፌደራል ብሞላ ኤሌክትሮኒክስ ክፍሊት ፈጢሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 33 ሺሕ ከፈልቲ ግብሪ ፌደራል ብሞላ ኤሌክትሮኒክስ ኣቢሎም ክፍሊት ፈጢሞም ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ እቶት ዳዊት ውብሸት፡፡

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፤ ዳታ መሰረት ዝገበረ ስርኣት ኣተኣኻኽባ እቶት ንምህናፅን ዲጂታላይዜሽን ጋህዲ ንምግባርን ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፡፡

በዚ ድማ ልዕሊ 58 ሺሕ ከፈልቲ ግብሪ ኤሌክትሮኒክስ ሜላ ብምጥቃም ግብሪ ንምኽፋል ዘፍለጡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ልዕሊ 33 ሺሕ ዝኾኑ ክፍሊት ፈፂሞም ኢሎም፡፡

ካብ 2013 ክሳብ 2017 ብሜላ ኤሌክትሮኒክስ ክፍሊት ዝፈፀሙ ከፈልቲ ግብሪ 6 ሺሕን 762 ከምዝኾኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 33 ሺሕ ክብ ምባሉ ተጠቃሚ ብስፍሓት ናብ ዲጂታል ስርዓት እናኣተወ ምዃኑ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም፡፡

ሚኒስቴር እቶት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቡዎ ልኡኽቶታት ኢኮኖሚ ዘፈልፍሎ ግብሪ ምእካብ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ በዚ ድማ ኣብ 2013 ዓ.ም 279 ነጥቢ 44 ቢሊየን ብር ዝነበረ ኣታዊ ኣብ 2017 ልዕሊ 900 ቢሊየን ምብፃሕ ተኻኢሉ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ብትሪሊየን ንምዕዋት ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብምጥቃም ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ብኣቤል ነዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.