ልዕሊ 4 ሺሕ ኪሎ ግራም ፍርያት ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 4 ሺሕን 254 ኪሎ ግራም ፍርያት ወርቂ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ኣታዊ ምግባሩ ኤጀንሲ መዓድን ክልል ጋምቤላ ኣፍሊጡ።
1 ሺሕን 850 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ንምግባር ተሊሙ ከምዝነበረ ምክትል ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኤልያስ ገዳሙ ኣፍሊጦም፡፡
ይኹን እምበር ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ወርቂ ብምንካይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ዝኣቱ መጠን ወርቂ ክውስኽ ምኽኣሉ ሓቢሮም፡፡
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ መዓድን ዝሃቦ ፍሉይ ጠመተ ውፅኢት ምምፅኡ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ወረዳታት ዲማ፣ ኣቦቦ፣ ጋምቤላን መንገሺን ብስፍሓት ወርቂ ከምዝፈርየሎም ይፍለጥ፡፡
ብኣብዱ መሓመድ