Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ተካእቲ ፍርያታት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 2018 ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ተካእቲ ፍርያታት ንምፍራይ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓበሬታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ የመላኽት።

ኢንቨስትመንትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ማእኸል ምዕባለ እታ ሃገር ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብተካእቲ ፍርያታት 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ሸርፊ ወፃኢ ዝተረኸበ እንትኸውን÷ ኣብዚ ዓመት ድማ 5 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ይርከብ።

ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ብምፍታሕ መፍረያይነት ምዕባይን ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ ምስሓብን ተኻኢሉ።

ብኣካቢ ብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምንቅስቓስ ስራሕ ኣብ ዝተዓዘበሉ እዋን ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ከምዝበሉዎ፤ ናብ ስራሕ እናኣተዉ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብዓይነትን ይኹን ብመጠን ዝተፈለዩ ስትራቴጂክ ፍርያታት የፍርዩ።

ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ተወዳዳራይነቶም ንምዕባይ ዘለዉዎም ማሕለኻታት ምፍላይነ ናይ ፖሊሲ መፍትሒ ከምዝወሃብ እውን ኣረጋጊፆም።

ቀረብ ሓይሊ፣ እታወት ሕፅረትን ምሽ ከፋይናንስ ዝተራኸቡ ፀገማትን ንምፍታሕ አእውን ዝምልከቶም ትካላት ተዋዲዶም እናሰርሑ ይርከቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.