ልደት ነብዩ መሓመድ እንትነኽብር ንሶም ይምዕዱዎም ዝነበሩ ክብሪታት ምሕሳብ ይግባእ – ሼኽ ኣብዱል ሃሚድ ኣህመድ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልደት ነብዩ መሓመድ እንትነኽብር ንሶም ይምዕዱዎም ዝነበሩ ክብሪታት ሰላም፣ ምክእኣል፣ ምክብባርን ሓድነትን ምዝካር ይግባእ ኢሎም ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሼኽ ኣብዱል ሃሚድ ኣህመድ፡፡
መበል 1 ሺሕን 500 በዓል ልደት ነቢዩ መሓመድ (ሰዓወ) ዝቕፅል ሓሙስ 29 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣንዋር መስጊድ ተኸተልቲ እቲ እምነትን ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ክኽበር ኢዩ።
ሼህ ኣብዱል ሃሚድ ኣህመድ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ናይ ሃይማኖት ፅንፈኝነትን ዘይምክእኣልን እናበርተዐ ኣብ ዘለሉ ዘበን ህያው ኣስተምህሮ ነቢይ መሓመድ ምክብባርን ምርድዳእን ብሰላም ሓርካ ናይ ምንባር መሰረት ከምዝኾኑ የዘኻኽረና ኢሎም።
ዓብዪ ነቢይ ጎረቤት እናተጠመየ ፀጊቡ ዝሓደረ ንሱ ኣማኒ ኣይኮነን ምባሎም ኣድላይነት ርህራሀ ካብ ምጉላህ ሓሊፉ፤ ሙስሊማት ንካልኦት ክሓዝኑን ኣኽክብሮት ክልግሱን ዘምህር ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ከም ሙስሊም ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ክፍፍልን ጎንፂን ተመሳሳሊ ወፍሪን ናይ ምክብባር ክብሪታት ክነጉልህ ትፅቢት ይግበረና ክብሉ ኣገንዚቦም።
ልደት ነብዩ መሓመድ እንትነኽብር ንሶም ይምዕዱዎም ዝነበሩ ክብሪታት ሰላም፣ ምክእኣል፣ ምስ ካልኦት ተኸባቢርካ ምንባርን ሓድነትን ክንዝክር ግድን ኢዩ ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!