ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያ ናብ ዘበናዊነትን ምእባለን ንእትገብሮ ጉዕዞ ሓደ ዝላ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምጅማር ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ የቢሾፍቱ ዓለም አቀፍ አውሮፕላን ማረፊያ ግንባታ መጀመር ኢትዮጵያ ናብ ዘበናዊነትን ምእባለን ንእትገብሮ ጉዕዞ ሓደ ዝላ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን መርሃ ግብሪ ዕላዊ ምጅማር ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ኣጀሚሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ዕለት ኢትዮጵያ ናብ ዘበናዊነትን ምዕባለን እትገብሮ ጉዕዞ ሓደ ዝላ ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕማን ልዑል ራኢኣን ዝምጥን ካሊእ ተወሳኺ ሜጋ ፕሮጀክት ጀሚራ ኣላ ኢሎም።
ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ከምዝኸውን እውን ኣብሪሆም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፍልፍል ኩርዓት ሃገር ከምዝኾነን እዚ ዝኾነ ድማ ብዘይማሕለኻ ብምጓዓዙ ዘይኮነስ ፅንዓት ብዝተመልኦ ዕንቅፋታት ናይ ምስጋር ዓቕሙን ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎ ግደ መሪሕነት ዝተበገሰ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ልዑል ጥንካረ እቲ መገዲ ኣየር ዝፍልፍል ካብ ጥንኩር ትካላዊ ባህሉ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትሮ ከባቢ ርሕቐት ትርከብን 1 ሺሕን 910 ሜትር ብራኸ ዘለዋን ቢሾፍቱ ንኣውሮፕላኖናት ዝተመቸወ ከባቢ ኢሉ እውን ንኢትዮጵያ መስሕብ ዝገብሩ ኮኑ ንትራንዚት መገደኛታት ምቹው ኣቀባብላ ዝተመቸወት ከምዝገብራ ገሊፆም፡፡
እቲ ፕሮጀክት በዝሒ ዘለወን ናይ ተሽከርከርቲ መስመራት ዝሓዘ፤ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ዘራኽብ ህንፀት ዘበናዊ መገዲ ዘካተተ እንትኸውን÷ ብሰዓት ካብ 120 ክሳብ 200 ኪሎ ሜትሮች ቅልጣፈ ዘለዎ ህንፀት ስሉጥ ስርዓት ባቡር ሃዲድ ከምዘካትት ኣብሪሆም።
ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዓመት 60 ሚሊየን ተጓዓዝቲ ዘተኣናግድ እንትኸውን÷ ብትልሚ መሰረት ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም ድማ ብዓመት 110 ሚሊየን መገደኛታት ዘተኣናግድ ኢዩ፡፡
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ካብ ዓለም መሪሕ ማእኸላት ትራንስፖርት ኣየር ሓንቲ ከምዝገብራ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት።