ሎሚ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 17 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየድ እዩ።
ቼልሲናብ ሴንት ጀምስ ፓርክ ተጓዒዛ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ክትገጥም እያ እዚ ድማ 9 ሰዓት 30 ክካየድ እዩ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብዚ ሊግ ኣብ ዝሓለፋ ኣብ ዝገበርዎም ሓሙሽተ ፀወታታት ተመሳሰልቲ ክልተ ዓወታት ዝረኸቡ እንትኾ፤ በታሓንቲ ድማ ብማዕረ ተፈላልየን።
ብካልእ ግጥም ድማ ኣብዚ ሊግ ካልኣይ ብርኪ ብምሓዝ ማንቼስተር ሲቲ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ስታድዩም ኢትሃድ ዌስትሃም ዩናይትድ ከተአንግድ እያ።
ማንቼስተር ሲቲ ኣብዚ ሊግ ምስ ዌስትሃም ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ 5 ፀወታታት ብምዕዋት፤ ብልዑል ብርኪ ትረከብ እንትትኮን ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተተዓዊታ ድማ ኣርሰናል ክሳብ እትፃወት ብ37 ነጥቢ ንሊግ ክትጅምሮ እያ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!